ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ 47 ስደተኛታት ሞይቶም

47immዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ንቡር ንላዕሊ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ትማሊ ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ 47 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ኣብዘን ዝሓለፈ 6 መዓልታት ጥራይ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና 40 ዝኾና ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሰን ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ክድሕና እንከለዋ ክልተ ድማ ጥሒለን።

ኣቐዲማ ዝጠሓለት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሶርያን ከምዝነበርዋ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ካልእ ፍጻሜ ድማ፣ ብጃልባ ካብ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ 15 ኣመንቲ ምስልምና ኮነ ኢሎም ን12 ኣመንቲ ክርስትና ናብ ባሕሪ ከምዝጥሕሉ ብምግባሮም ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ብኣመንቲ ምስልምና ናብ ባሕሪ ተደርብዮም ዝጠሓሉ 12 ሰባት ዜጋታት ናይጀርያን ጋናን ምዃኖም እቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

By dhnethager

ዕጡቕ ኣሃዱታት (ሰራዊት) ግሃድኤ – ሕድሪ ህልዊ ኩነታት ንምግምጋም ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም፡

 newlogo21final

 

ተኸታታዕጡቕ ኣሃዱታት (ሰራዊት) ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ንክልተ ሊ ማዓልታት ጽዑቕ ኣኼባታት ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዕለት 10 መጋቢት 2015 ንጠርነፍቲ (ሓለፈቲ) መሳርዕን ካብኡ ንላዕልን ዘለዉ ዘጠቓለለ ከምዝነበረ፡ ንጽባሒቱ ዕለት 11 መጋቢት 2015 ከኣ ንኩሎም ኣባላት ተጋደልቲ ግሃድኤ – ሕድሪ ዝኣከበ ከምዝነበረ ካብቲ ቦታ ብወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለፍቲ ዝተላእከልና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡
እቲ ንክልተ ማዓልታት ዝተኻየደ ጽዑቕ ኣኼባ ተጋደልቲ ግሃድኤ-ሕድሪ: ብተጋዳላይ እድሪስ ማሕሙድ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራውን ጸጥታውን ግሃድኤ-ሕድሪ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ምስኡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ዝኾኑ ተጋዳላይ መሓመድ ሳልሕ (ኢሮብ) ሃላፊ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ተጋዳላይ ዮናስ መብራህቶም ሓላፊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት፡ ብሓባር ከምዝነበሩ ተሓቢሩ፡፡
ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስተ ጉዳያት ከኣ፡-
1. ህልው ኩነታት ሃገርና ብዝምልከት ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን በደልን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ ነዚ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ንምግታእን ንምብዳህን፡ ራእይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ሰፊሩ ዘሎ ቀዳማይ መድረኽ ቃልሲ መሰረት ብምግባር ሰፊሕ መብርሂ ምሃብ፡
2. ግሃድኤ – ሕድሪ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ዝተሓተ ነጥበ ስምምዓት ተዋሃሂድካ ብምስራሕ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ብምሕያል፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ውዓል-ሕደር ዘየድልዮ እዋን ምኳኑ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ብመትከል ኣሚኑ ክቃለስ ከምዝኾነ፡ ዝርዝር ኣስተምህሮ ከምዝተዋህበን ኣብ መደምደምታ ከኣ ሕቶታት፡ ርእይቶ ከምዝቐረቡን ብኣለይቲ መድረኽ ዘዕግብ መልሲ ከምዝተዋህበን ካብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራውን ጸጥታውን ግሃድኤ – ሕድሪ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግሃድኤ – ሕድሪ
12 መጋቢት 2015

By dhnethager
Link

ሎሚውን ወዮ ፍሉጥ ሕቡእ ደራሲ ብፍትሕዊ ዝብል ብርዒ ስም ካብ ከተማ ዓዲ ግራት’የ ክብል ተቐልቂሉና’ሎ! እንተስ ካብ ዓዲ ግራት፡ እንተስ ካብ ወጀራት ፍትሓዊ ጥራይ ይኹነልና፣

ብቐጥታን ተዘዋዋርን ኣብ ኣገልግሎት ስለያ ህግደፍ ምጽማድ ኣብ ህዝቢ ይኹን ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ውጽኢት ቀሊል ከምዘይኮነ ምግንዛቡ ኣይከጸግምን። ኮንዶ-ኾን ይኾነለይ ብምባል ዝሓወየ ቁስሊ ክልተ ኣሕዋት ጸንዓደግለን ቶርዓን እናበለ ክጽሕፍን ዳግማይ ደም ክተክልን ዝጸንሐ ኣካል ዘይፈልጦ ኣሎ ኣይብልን። ነዚ ከምዚ ዝበለ ነውራም እተፈነወ ጽሑፍ  ዓገብ ምባለይ ድማ ብዝኾነ መልክዕ ጌጋ ኣይጸሓፍኩን። እቲ ክሲ ናባይ ክመልሶ ምፍታኑ ግን ግሪንቢጥ እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ! ሃይማኖታትን ዓሌታትን ብዘዋርድ እተጻሕፈ ነውራምን ጽዩፍን ጽሑፋት ንኣብነት ከም ናይ በዓል ዓብደላ ማሕሙድ፡ ዓገብ ምባለይ ምስ ድሕረትን ጸቢብ ወገናውነትን ክተሓሓዝ እንተኾይኑ ነገሩ ስጊንጥር ስለ ዝኾነ ሃየንትኡ ናብ ባዕሉ እዩ ክምለስ ዝግባእ። እንተኾነ ወረዳይ ኣውራጃይ ሃገረይ በቢዝግበኦ ምፍታወይን ምፍቃረይን ማለት ድማ ናይ መንነት ምስክርነተይ ከም ዝኾነ ደጊመ ከረጋግጸሉ ደስ ይብለኒ። ቁሸትካ ከባቢኻ ወረዳኻ ኣውራጃኻ ሃገርካ ኣይትወግን ዝብል መዝገበ ቃላት ካበይ ከም ዘንበቦ ኣይርደኣንን። ምስ ድሕረትን ካልእ ገበንን ዘተሓሕዝ እንተሎዎ’ውን ብመጽናዕቲ ቀሪቡ እንተመሃረና ኣይሓስምን።

ክቡራት ተኸታተልቲ እዚ ጽሑፋት! ናይ ሓባር ጸላኢ ገዲፍካ ኣብ ሕድሕዳዊ ምምንጫት እንታይ ኣድለየ ዝብል መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ብዙሓት ፍትሓውያን ተቓለስቲ ከምዘሎ ኣጸቢቑ ይርደኣኒ እዩ። እንተኾነ ንባዕሉ ዓገብ ዘይፈልጥ “ዓጋቢ” ዓገብ ክምህረና ዝወጣወጥ ዘሎ ሓውና “ሓባኢ ስሙ”፡ ሎሚ’ውን ንኻልኣይ ጊዝይኡ ዓገብ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘይተኣደነ ጸለመታት ደርዲሩ ናብ መሳርሒ ብዙሃን ፈንዩዎ እነሆ። እዚ ጽሑፋትዚ በይኑ ዘወሃሃዶ’ውን ኣይኮነን። እምበኣር ናይ ሎሚ ጽሑፋት ግብረ መልሰይ ካብቲ ገብረአግዚኣብሄር ገብረገርግስ መን ኢዩ ዝብል ካብ ዘስፈሮ ሃጠው-ቀጠው እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ልዕል ኢሉ ንውድብን መሪሕነቱን ምስሎም ክድውን ብሰፊሑ ኣስፊሩዎ ዘሎ ብኣኡን መሰልቱን ብተደጋጋሚ እተጻሕፈን መልስታት እናተዋህበሉ ዝመጸን ስለ ዝኾነ ናብኡ ኣይከድህብን ኣብ ስራሕ ዘሎ ውድብውን ደድሕሪ ህውታትያ ክጋልብ ኣይመስለንን። እምበኣር ቀልቢ ኣንባባይ ምእንቲ ክስሕብ ቅድሚ ናብቲ ምጡን መልስታተይ ጽሑፋቱ ደጊሙ ክንበበለይ ብምልባው ከምዘለዎ ኣስጊረዮ ኣለኹ።

ገብረአግዚኣብሄር ገብረገርግስ መን ኢዩ ይብል ሓባኢ ስሙ፡-እስኪ ነንብቦ።

ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ገብረገርግስ ከምቲ ባዕሉ ከም መፈከሪ ዝጥቀመሉ ወዲ ባሻይ ገብረገርግስ፡ ኣብ ንኡስ ወረዳ እንዳዳሽም ሽመጃና ካብ ሕያዎትን ለባማትን ስድራ ዝውለድ ሰብ ኢዩ። ኣቶ ገብረእግዚኣብሔር እቲ ንሕና ደቂ ባሻይ እናበለ ብዙሕ ግዜ ዝፍክረሉ ዘሎ ምኽንያት ካሊእ ዝተፈልየ ተኣምራታዊ ተሪኽ ሃልይዎ ዘይኮነስ፡ ካብ ድሑርን ዘይብሱልን ኣተሓሳስባ ስለ ዝብገስ ጥራሕ ኢዩ፡ ኣብ ናይ ቀደም ድሑር ስምዒታትን ወገናዊ ኣተሓሳስባን ተለዊሱ ቁሩብ ምዕብልና ዘይጸለዎ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ንገብረእግዚኣብሔር ዝፈልጡ ሰባት ከም ዝብልዎ ገበረእግዚኣብሄር ወዶ ገባ ኮይኑ/ መልሻ ስርናይ/ ዓስከር ደርጊ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ኣቶ ገብረእግዚኣብሔር ወተሃደር ናይ ደርጊ ክይኑ ኣብ ደንጎሎን ከባቢኡን ሰፊሩ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ሰውራኡን ዝቃለስ ዝነበረምኽኒያት ምጥፋእ ሂይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ዝኾነ ከዳዕ ኢዩ። ሎሚ ኣቶ ገብረእግዚኣብሔር ‘ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጹፉለይ በለ’ ከም ዝበሃል ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ ኮይኑሉ፡ ብእርጋንን ብሕማምን ተቓለስቲ ክምካሕን፡ ኣብ ዘይፍልጦ ታሪኽ ብጀብሃን ዓማን እናበለ ንስውራ ኤርትራ ከቆናጽብ ምፍታኑ ሕጂ ዘምጸኦ ኣመል ኣኮነን። ካብ ቀደሙ እውን እንተኾነ ንህዝቢ ኤርትራን ሰውራኡን ከዲዑ ጦርሰራዊት ደርጊ ኮይኑ ኣብቲ ዝነበሮ ከባቢ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዕ ዝነበረ ከዳዕ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንገብረእግዚኣብሄር ጦር ሰራዊት እንከሎ ዝፈልጡዎ ሰባት ከም ዝብልዎ፡ ገብረ እግዚኣብሄር ምስቲ ጽልሙን ጉብዝናኡን ምዕባይ ከናፍሩን ሓዊሱ ህልመት ናይ ጦር ሰራዊት ኣብ ርእሱ ምስ መለሰ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ጽጉብ ጦርሰራዊት ኢዩ ዝመስልዝነበረ ኢዮም ዝብዎ።

ብቐዳምነት ወታደር ኣይነበርኩን። ወዶ ገባን ጨንቆ ገባን’ውን ኣይነበርኩን። ማልሻ ስርናይ ይኹን ማልሻ ወዲ-ዓከር እውን ኣይነበርኩን። እንተኾነ! ብሰንኪ ኣተኣላልያ ስኢኑ ነቲሑ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ድኽመታትን መጥቃዕቲ ልፍንትታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተደማሚሩ ዓባይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሜዳ ኤርትራ ለቒቓ ጠቕሊላ ሱዳን ከም ዝኣተወት ህያው ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነስ ውጽኢታቱ ይቐጽዓና ምህላዉ ሕቡእ ጸሓፋይውን ናይ’ቲ ጉዳይ “ግዳይ” ምንባሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩሉ ስርዒታትን ትካላት ውድብን ጠቕሊሉ ስለ ዝፈረሰ ኣደዳ ስደትን ቀይድን ቅንጸላታት ሓይልታት ስለያ ህዝባዊ ግንባር ዝኾኑ ተቓለስቲ ኣዲኦም ትቑጸሮም። እዚ ሎሚ ተሓቢኡ ዝጽሕፍ ዘሎ ሓውና እንተኾይኑ ግን፡ ብረቱ ኣብ ሩባ ጋሽ ናብ ትሕቲ ገረብ ደርብዩ ከም ወዲ በረኻ ናጽላ ቆልዓ ኣብ ሕንብርቱ ብነጸላ ሻሚዱ፡ ናብ ሃገር ሱዳን “ጨንቆ ገባ” ወይ ወዶ ገባ ኮይኑ ከም ዝኣተወ ኩልና ንፈልጥ፡ ባዕሉውን። ብዙሓት ግን ከምቲ ናቱ ወዶ ገባነት ዕድል ዝሰኣኑ ኣደዳ ማእሰርትን ሓለዋ ሰውራ ህዝባዊ ግንባርን ኮይኖም ሓቒቖም ጨና ኮኑ። ገለ ምረት ዝሰርነቖም ውሑዳት ሰባት ድማ  ብእተፈላለየ ጥበብ ብረት ኣልዕሎም ኣንጻር ስለያታት ህዝባዊ ግንባር ይረባረቡ ምንባሮም ኣይከሓድን። ዝኾነ ኮይኑ ወዶ ገባነታት ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፍልልይ ነይሩዎ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተረፈ ዑንጣሮ ብረቱ ኣልዒሉ ክዋጋኣ ክፍትን ከሎ! እቲ ናብ ሱዳን ወዶ ገባ ዝኾነ ሓይሊ ድማ ብረቱ ናብ መንግስቲ ሱዳን ምርካቡ እዩ። ብኾነ ኮይኑ ግን ንኽልቲኡ ሓይሊ ኣብዚ መከራዚ ክጉሕፍ ዝኸኣለ ምኽንያታት ብሰንኪ ግዕዘ ኣመራረሓ ምዃኑ ካብ ታሪኽ ምህዳም ኣይከኣልን። ስለዚ ሓውና ሕቡእ ጸሓፊ በቢ መልክዑ ደኣ ይፈላለ እምበር ዝዓበየ ወዶ ገባ’ስ ባዕሉ እዩ ነይሩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ኣይረሓቕኩን። ብዛዕባ ሰብን ንብረትን ክብል ዝሓቶ እንተሃልዩዎ ግን ጭብጥን መርተዖን ጥራይ ሒዙ ምቕራብ እኹል እዩ እብል። ጸሓፋይ ካብ ፖለቲካዊ ዘብረቕረቕ ዘሊሉ ኣብ ውልቃዊ ቅርጺን ጽባቐ ገጸ-ኣካላትን ብምእታው ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ጸሊም ከንፋር ጎበዝ ክብልውን ቅርጺ ኣካላተይ ከላልየኒ ፈቲኑ። ወዮ ደኣ ትምክሕትን ድሕረትን ናብ ዘይምልከቶ ይልጥፎ ኣሎ እምበር ኣብ ሕብርን ጽባቐ ደቂ ሰባትን ኣትዩ ክሳብ ክንድኡ ምሕብላቕ ንባዕሉ እዩ ኣብ ትምክሕቲ ዝጸምዶ።

kenfer

ወይ ጉድ!!! ናይ ሎምዘመን ሓባኢ ስሙ፣ ሕሉፍ ሓሊፉስ  ሕብሪ ቆርበትን ከናፍርን ከወዳድረና ተጀሚሩ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት’ዩ ሕብርን ሻንፎትን ከመኻኽሕ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ። ነገሩ ወይሎኻ ጸሊም፣ ጠፋእካ ከንፋር ክብል የጉባዕበዓልና’ሎ። እምበኣር ዓገብ ዝበሃል ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሕብርታት ከናፍርን ዘርእታት ሓበሻ ዝኹንን’ዩ። ዓገብ ደኣ ኣባሁሉና።

ይብል ሓባኢ ስሙ!

ሎሚ ድማ እቲ ኣብ ክልተ ሃገር ተወላዲ ምዃን ጽቡቕ እንዲዩ፡ ግና እንዳ ኣድኻ ጸሊእኻ እንዳ እቦኻ ምፍታው፡ ወይ ድማ እንዳ ኣደኻ ፈቲኻ እንዳ ኣቦኻ ምጽላእ ግን ንሓዋሩ ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን። ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር’ውን ነቲ ሓደን ክፈቱ ነቲ ሓደን ክጸልእ’ኳ መሰሉ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ተቓለስቲ ዝገብሮ ዘሎ ገበን ግን ነቲ ዝሓለፈ ገበኑ ዘራጉድ እምበር ዘማሓይሽ ወይ ድማ ዘፍኩስ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን እንተዘይህሉ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ብወገን ክፍንዎ ዝደሊ ዝነበረ መጥቃዕቲ ብዙሕ ኢዩ። ምኽኒያቱ ገብረዝሔር ገብረገርስ ብኣዲኡ ኣብ ትግራይ ኢዩ ዝውለድ። ስለዝኾነ ወዲ ሓትነይ ኣሎኒ፡ ወዲ ጓል ሓትነይ ኣሎኒ እናበለ ዝፍክሮ ዝነበረ ፈኸራ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ኢዩ ዝነበረ።

ስምካ ረቚሕካ ምሙጓት ትብዓት ነይሩ። ዋላ ስሙ ይሕባእ ግን በዚ ዘብረቕረቓት’ዚ ተለኺፉ ዘሎ ውልቀ ሰብ መን ምዃኑ ዝጠፍኦ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ ኣሎ ኣይብልን። ክቡራት ተኸታተልቲ’ ምስዚ ኣካል’ዚ ብቑሉዕን ምትዕብባጥን ካብ ን’ተሓሓዝ ጊዜ መጢጥና ኢና። ኣብ መንጎ’ዚ ጀነራል ኣሎኒ መጀር ኣሎኒ ክብል መሬት ዕንብረ ከዲኑዋ ከም ዝጸንሐ እኩብ ድምር ሰነዳቱ የረጋግጸልና እዩ። ሎሚ እቶም ዝጀሃረሎም ዝነበረ ወታደራዊ መኮንናት ኣፍካን ኢድካን ኣክብ ዝበሉዎ እዩ  ይመስለኒ፣ ንሓንሳብን መጨረሽታን ኩቦ ደርብይላ ዝገዓዘ’ውን ይመስል’። ኩቦ ዋላ ዕንጸይቲ ብዘየገድስ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታዊ ዘርእታት ምእታው ሓደ በለለይ ክብል ጀሚሩ’ሎ። ያኢ! ስራሕ ህግደፍ ተቐዲሑለይ በ’ደይ ካብ ትግራይ ከም ዝውለድ ነጊሩ’ሎ። እዝጊሄር ይሃቦ!! ካብ ኣፍ ነግራም የድሕንካ ከም ዝበሃል ወዮ ደኣ ብትምክሕተኛ ከይገልጸኒ  እምበር በ’ደይ ካብ ካብ ትግራይ ተወላዲ ምዃነይ ባዕለይውን ከረጋግጸሉ ደስ ይብለኒ። ካብ ነገስታት ሳባውያንን ባዚናውያንን ምውላደይ ካብ ገለጸኒ እዝጊሀር ይሃቦ ኣርዚኑኒ፡ ናይ ኣቦይ ድማ ባዕለይ ክውስኸሉ፡ ካብ ሚሮኒ’ን ጉዛይን ምዃነይ፡ ትሕት ኢሉ ድማ፡ ካብ ዳሽም እንተኾንኩ! እዚኣቶም ተጠቓሊሎም መሰረታውያን ዘርኢ ሓበሻ ስለ ዝኾኑ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ትምክሕቲ ዘይኮነስ ኩርዓትን ሓበንን እዩ ዝስመዓኒ። ንባዕሉ እንታውነቱ ዘይምፍላጡ ግን እሓዝነሉ። እምበር ንዓይስ ኣርዚኑንን ኣኽቢሩኒን እዩ። እምበኣር ኣጸቢቑ ቅልውላው ክተሓዝ! ንእግረ- መገደይ ዝሕብሮ እንተሎ ካብ ዓሳውርታን ሚነፈረን ደብሪሜላን ዝበሃሉ ዓሌታት ሳሆ ኣከለጉዛይ እንተኾነውን ጠንቀላዕላዕ እናበልኩ እየ ዝውለደሉ ክብሎ እደሊ።

ቀጺሉ ገሊጹኒ ዘሎ ጽሑፉ ንመልከት።

ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣተወ ኣባል ግንባር ሃአራዊ ድሕነት ኤርትራ ክይኑ ክንቃሳቐስ ጸኒሑ ኢዩ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝርከብ ዝነበረ ክበብ ናይቲ ውድብ ድማ ከመሓድር ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ከብቅዕ፡ ኣብ ክንዲ ብእምነት ዝተዋህቦ ሓልፍነት ብንጽህና ዘገልግል ክሳብ ሓምሳ ሺሕ ኤውሮ ዝበጽሕገንዘብ ኣጠፋፊኡ ከይዱ ኢዩ። ኣብ መጨረሻ ገንዘብ ውድብ ኢዩ ምለሶ እንተተባህለ በዚ ሓንጊዱ ካብ ውድብ ርሒቑ ዝጸንሐ ሰብ ኢዩ። በዚ መኽኒያት ንብዙሓት ነባራት ተቓለስቲ ብዘይወዓልክዎ ኣኽፊኦሙኒ እናበለ ክውንጅል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ ሕጂ ንዓ ተቓለስ ዝብልዎ ኣሕዋት ረኺቡ ናብ ውድብ ተመሊሱ፡ ሎሚ ንቂሙ መዝሓሊ ኮይኑ ስለ ዝተራእዮ ምስ ተፈንጫሊት ጉጅል ዑቑባዝጊ ደቡስ ተሰሊፉ፡ ጉጅለ ዑቑባዝጊ ደቡስ ድማ ሰብ ምስ ተስእነ ንኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ናይ ኤውሮጳ ናይ ዜና ሓላፊ ስለዝገበርዎ ኢዩ፡ ሎሚ ኢያ ዝተረኽበት ብማለት ዘይሓልፍነታው መሰል ሰብ ዝግህስን ጽሑፋት ብምልጣፍ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበሮ ጠላም ታሪኽ ንኑጹሓት ተቓለስቲ ኤርትራውያን ከካፍእን ንከድዕ ታሪኹ ከራጉዶን ዝውዕል ዘሎ።

ኣነ’ኳ ብስርዒታዊ ኣገባብ ሓቲተ መልሲ ስለ ዝሰኣንኩሉስ መሰኻኽረይን መርተዖታተይ  ብሰነድ ጠርኒፈ ሕጋዊ መዓልቦ ክረኽበሉ ዝጽበ ዘለኹ ሰብ እየ። እንተኾነ ዓቕሊ ውሒዱካ ካብ ጠቐስካዮ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክምልሰሉ ዝግበኦ ኣካል ክሳብ ሎሚ ኣብ ምስርዕ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ዘሎ ኣካል እዩ እብል። ኮይኑ ግን ንሕጋዊ ጉዳይ ዝጽበየሉ ሰነዳተይ ሕጅ’ውን ብዝርዝር ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣይዝርግሖን’የ። እንተኾነ ግን ንእሽቶይ ፍንጪ ኣሚትካ ምሕላፍ ጽብቕቲ ኢያ እብል። ሓባኢ ስሙ ካብ ገደደኒ ግን ኣስታት ቅድሚ 9ተ ዓመታት እዩ ነይሩ። ኣብ ሓፈሻዊ ሰሚናር ኣባላት ውድብ ኣብ ካስል። ኮነ ድማ! ኣብ ግሉጽነትን ገንዘባዊ ተሓታትነትን ኣመልኪተ ንዝሓተትኩዎ፡ ናይቲ እዋንቲ ሓላፊ ቁጠባ ንዝነበረ ዶ/ር የሱፍ ብርሃኑ ክምልሶ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ኣብ ሓያል ወጥሪ ኣቶና። ይኹን እምበር የሱፍ ኣብ ቅድመይ ሓሳብ ክህብ ኣይደፈረን። እንተኾነ ካብቲ ኣኼባ ምስ ወጻእኩ፡ ይብል ዶ/ር የሱፍ፣ እዚ ሕጂ ብዛዕባ ገንዘብ ክተሓሳሰበና ዝደሊ ዘሎ ሰብ “ክለብ ሓደ መስከረም” ከመሓድር ምስ ሃብናዮ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 50.000 ኦይሮ ክሳራ ንኽሳራ ገሩዋ ወጺኡ ክብል ዓቕሊ ጽበት ዝደፍኦ ተርባጽ ተዓሚቱ ዘፈጥ ኣበሎ። ኣፉ ዝጠረጠሉ ክመልሳ ስለ ዘጸገመትሉ ድማ ካብኣ ንደሓር ምህዳምን ካልእ ሽርሕታትን ክመርጽ ተገደደ። ብወገነይ ብስርዒታዊ ኣገባብ ክጻረየለይ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ጽሑፋት ንዘቕረብኩዎ፡ ክብሪ ዶ/ር የሱፍ ንምሕላው ብዝል ሸረኛ ኣመራረሓ ፍትሒ ተደፍነኒ። ድሕሪ ብዙሕ ምፍሕፋሕ ድማ! ዕላዊ ክኢላ ናይ ውድብ ኦዲተር ከምዝርእዮ ተገብረ። ብወገነይ ሳንቲም ክለብ ሓደ መስከረም ከምዘይጠፍአ ብሰነድ ተረጋጊጹ ድማ ንመሪሕነት ተዋህበ። እንተኾነ መሪሕነት ደፊናቶ ተረፈት። ብህይወት ዘየለዉ ኣባላት ኣመራረሓ ኣለዉ። እቲ ጽቡቑ ግን ብህይወት ዘለዉ ይበዝሑ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይቲ እዋንቲ መራሕቲ ጨንፈር ግንባር ድሕነትን ዕላዊ ኦዲተር ውድብን ከምኡውን ተቖጻጻሪት ውድብ ነበራትን ዳርጋ ኩላቶም ብህይወት ስለ ዘለዉ፡ ነዚ ሎሚ ቀሪቡዎ ዘሎ ጸለመ ባዕልቶም ከም ዝፈርዱዎ እተኣማመን እየ።

ብመሰረቱ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 50 ሽሕ ጠፊኡ ዝብል ፈጠራ ናይ የሱፍ ሎሚ ከም ብሓድሽ ናብ ዕዳጋ ሓራጅ የውርዶ ምህላዉ ንዓይ ዘይኮነስ ንዶ/ር የሱፍ ዝምልከት ሕቶ እዩ እብል። ብጥቕልል ዝበለ ፖለቲካዊ ሚዛን ክረአ እንከሎ ግን! 50ሽሕ ንዘጠፋፈአ ዝምሕር ውድብ ንባዕሉ ብኽንደይ 50ታት ኣሸሓት ስለ ዝሕተት ብምስግኡ ኮን ይኸውን ነይሩ?? ንባዕሉ ጸሓፋይ’ከ ውድባዊ ሓላፍነት ተዝነብሮ ስለ ምንታይ ኮን’ዩ ሽዑ ብሓላፍነት ዘይሓትት?? ዶ!ዋላስ ንባዕሉ ስለ ዝሕተት’ሞ ናብ ነብሱ ከይምለሶ ዶ!ኾን ይኸውን?? ኣንባቢ ፍርዲ ይሃበሉ። ብጥቕልል ዝበለ ኣገላልጻ ግን እቲ ዝኣምነሉ ውድብ ዝብሎን እቶም ንተቓለስቲ መመሪጹ ክነኽሰሎምን ክናደፈሎምን “ሹት ሓዞ ጎፋር” ዝብሉዎን ዝምከሓሎምን ዘለዉ ሰባት ኣልቦ ግሉጹነት ክሰርሑ ከምዝጸንሑን ዘለዉን እዩ ዘጋልጾም ዘሎ። ኣነስ እንታይ ድየ ደኣ ዝብሎም ዝነበርኩ?።

ናይ ክልተ ዘይራኸብ እዋናት ኣቃሪቡ ርኡይ ሓሶት ዘርጊሑ’ሎ። ንሱውን መዝገበ ሓወይ ተሰጒጉ ብምባል ካብ ውድብ ስሒቡ ክብል ፈጠራ ኣስፊሩ። ካብ ተንከፎ ግን ካብ ውድብ ስሒበሉ ዝነበርኩ ምኽንያታት ናይ ሎሚ መራሕቲ ጉጅልኡ ነጋሽ ዖስማንን ዶ/ር የሱፍን ንብዙሓት ተባዓት ኣባላት (እሞ ድማ እቶም ሰባት ኣስማቶም እንተዝጠቕሶም እንታይ መልክዕ ኣለዎ ንፈራዳይ ምጨነቖ) ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ታህዲድን ምብራር ኣባልነትን ስለዝፈጸሙ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ሰሚናር ኩሉ ኣባል ኣብዚ ውድብ ስለምንታይ ገዳይም ኣባላት ይቕንጸሉ ኣለዉ ክብል ተሪር ሕቶታት ኣልዒለ ምንባረይ ኣይከሓድን። መልሲ ስለ ዝሰኣንኩ ድማ ንግዝይኡ ንጥፈታተይ ኣዝሒለ ምንባረይ ይዝከር። ሓሶት ዝብል ኣካል እንተሎ ስሙ ረቚሑ ብትብዓት ይጫበጠኒ። ኣስማቶምን ብቕዓቶምን ኣሰንየ ክድሕደሖ። ደሓር ከኣ የሱፍ ብሓሶት ዝኸሰሰኒ 2004 ካብ ውድብ ንጥፈታተይ ዘዝሓልኩሉ ድማ ዝበልኩሉ 2011 ስለ ዝነበረ ጠቕላላ ዘተኣሳስር የብሉን።

ይቕጽል ሓባኢ ስሙ!

ሓደ እዋን ይዝከረኒ ሓዉ ንገብረእግዚኣብሄር ገብረገርግስ ፡ መዝገበ ገብረገርግስ ዝተባህለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኮይኑ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ሕግን ስርዓትን ናይቲ ውድብ ወጺኡ ስለ ዝተረኽበ ካብ ውድብ ተሰጒጉ፡ ገብረእግዚኣቤር ድማ ሓወይዶ ይስጎግ ብምባል ንሰማዒኡ ዘሕፍር ወገናዊ ዝኾነ ዘረባታት የጋውሕ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ’ቲ እዋን እቲ ዘኽፍኦም ዝነበሩ ነባራት ሓርበኛታት ዋላኳ ሎሚ ብመስዋእቲ ይፈለዩና እምበር ኣብ ልዕሊኦም ዘይብሎ ጠቐነ ናይ ሓሶት ኣይነበረን። ዝኾነ ኮይኑ ክቡራት ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ እዚ ኣንዊሔዮ ኣሎኹ ዝተረፈ ኣብ መጻኢ ክምልኦ ኣብዚ ይኣክል። እቲ ገብረእግዚኣቤር ንሕና ደቂ ባሻይ እናበለ ከም መፈከሪ ዝጥቀመሉ ጉዳይ ግና ደቂ ባሻይ እንታይ ኢዮም መን ኢዮም ንምልላዩ መታን ክጥዕም፡ መዝገበ ገብረበርግስ ሓዉ ንገብረእግዚኣብሔር ገብረገርግስ መን ኢዩ፡ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ኣብ ቃልሲኸ እንታይ ይመስል ሎሚኸ ኣበይ ኣሎ እንታይከ ገይሩን እንታይ ይገብር ኣሎን፡ ኣብ መጻኢ ክቕጽሎ ንሎሚ ኣብዚ ይኣክል፡ ክሳብ ሽዑ ሰናይ ቅነ።

ኣብዚ’ውን ርጡብ መልሲ ኣሎኒ፣

ከም ኣባል ናይዚ ውድባ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ውድብ ይኹን ካልእ ሃገራዊ ግዳያት ስለ ምንታይ……??? ዝብሉ ሕቶታት ከይልዓልኩ ዝሰገርኩወን መዓልታት ኣይዝከራንን። እንተኾነ ኣብ ክንዲ ቅርዑው መልሲ ካልእ ሽርሕታት ሕቡእ ስም ምጽላምን እዩ ዝፍነወኒ። ብዛዕባ ሓወይ ዝገልጾ ዘሎ እንተኾይኑ’ውን!፡ ሓደ እዋን ኣብ ኣኼባ ፍራንክፉርት ስለ ምንታይ ኣባላት በቢ ሓደ ይባረሩ ኣለዉ ክብል ርሱን ሕቶ ኣልዒለ ምንባረይ ኣጸቢቑ ይዝከረኒ እዩ። ንኣብነት ከም ቀዳማይ በቲ ሓወይ ዝብሎ መዝገበ ገብረገርግስን፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ እትርከብ ናይ መዋእል ብጸይትና ለምለም ጸሃየን፡ ከምኡውን ኣብ ጀርመን ዝርከብ ብጻይና ዶ/ር ሳህለ ተስፋይን፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዝነበረ ርኡይ ውሽጣዊ ቅንጸላን ካብ ኣባልነት ምስጓግን ብምርኣየይ ምቅዋመይን ብጾተይ ምባለይን ሎሚ ዘሎኒ ናይ ሕልና ቅሳነት መዓቀኒ የብሉን። መዝገበ ናብ ስሩዕ ውድባዊ ስርሑ ክምለስ ከሎ ብጾትና ለምለም ጸሃየን ሳህለ ተስፋይን ግን ብሰንኪ ሕሱም ቅንጸላታት መሪሕነትን ውሑዳት መጋበርያታቶምን ካብ ውድባዊ ንጥፈት ጠጠው ኢሎም ይርከቡ። ካልእ ናይ ቃልሲ ኣመራጺታት እንተወሰዱውን መሰሎም ኣዩ እብል። ኣበይ እዩ እቲ ሓጥያተይ፡ ፍርዲ ንተመልካቲ።

ናይ ሎሚ መጠነኛ ግብረ-መልሲ ናይ ኩቡር ሓውና ጀነራል ሓባኢ ስሙ ኣብ ምጥቕላሉ እዩ። ወረጃ ጸሓፋይ መተሓሳሰቢውን ሂቡ’ሎ። ኣብ መተሓሳሰቢኡ ታሪኽ ውልቀ ገበነኛታት ምዝርዛር ኣገዳስነት ከምዘሎዎ ወሲኹ ኣስሚሩ ኣሎ። ኣነውን ካብቲ ዝሰማመዓሉን ለይቲ ምስ መዓልቲ ዓንገረር ካብ ዝብለሉን ምዃኑ ንሱውን ኣይስሕቶን። እንተ ኾነ ግን ኣብ ከርሰ ጽሑፋቱ ክከላኸል ይፍትን። ብዛዕባ ሓድነትውን ተመጻዲቑ። እቲ ሓድነት ግን ምስ መንን ከመይን? ምስ ንጹሃት ሓርነታውያን ተቓለስቲ? እወ። ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሕቡኣት መጋበርያ ህግደፍ? ኖ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነዚ ኩሉ ገፈጥ-መፈጥ ብዘይ ሸራ ዘስተኣናግዳ መርበብ ሓበሬታታት ኣብ ልዕሊ ምስጋናይ ኣድናቖተይ እናሃብኩ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ክንድኡ ኣስማት እናሓብኡ ውሽጣዊ ኣካላት ሰባት ከቆናጽቡ ዝፍትኑ ሰባት ምስትእንጋዳቶም ቀጻሊ ምስ ዝኸውን ኣንባቢውን ክስልችዎ ስለዝኽእል ሰባት ክንዲ ዝደለዩዎ ይጽሓፉ ግን ከምዝኸማይ ብቕሉዕ እንተዘነጽሩ እቲ ሞጎተ ዳር-ንግንባር ምኾነሞ ዕልባት ድማ ምረኸበ እብል። ብተወሳኺ ሚዛን መርበብ ሓበሬታታት እንተኾነውን ከየፍኩሶ ስግኣት ዘይፈጥር ኣይኮነን።

ሓውና ካብ ዝዓብደና ብርክት ዝበለ ዓመታት ኣቑጺሩ እዩ። ዕብዳን-ንዕብዳኑ ስሰዐ ስልጣን ዘይፍወስ ሕማም ስለዝኾነ እግዚኣብሀር ብምሕረቱ ክዕረቖ ጸሎት ወለዱ ኣይጋደፎ።

ቢቢሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ርእይቶኦም ክገልጹ ካብ ዝተወከሶም 37 ኤርትራውያን ብሰንኪ ፍርሒ ሓሳቦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ

BBC

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ንመጀመርያ ምሉእ ጸብጻብ ከተዳሉ ዝተፈቕደላ ጋዜጠኛ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ብኣፈኛ ፕረዚደንት ኣቶ የመነ ገበረኣብ ንዝተዋህባ፣ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከምዘሎ ህዝቢ ብምሕታት ከተረጋግጺ ትኽእሊ ኢኺ ንዝብል ሓበሬታ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ካብ ዝሓተተቶም 37 ኤርትራውያን ወልሓደ’ውን ንሕቶታታ ክምልስ ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ኣረጋጊጻ።

እታ ያልዳ ሓኪም ዝተባህለት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን፣ መብዛሕቶም ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎን ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይደልዩ ከምዝጠቐሱላን ገሊኦም ድማ ብዘይማይክሮፎን ድምጾም ከይተቀድሐን ካብ ሰብ ኣብ ዝተኸወለ ቦታ ሕቶታታ ክምልሱ ፍቓደኛታት ምንባሮምን’ያ መስኪራ።

 

በዚ ድማ ነቲ፣ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣሎ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ህዝቢ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ ንዝብል መግለጺ ኣቶ የመና ገብርኣብ ሓሶት ምዃኑ እታ ጋዜጠኛ ብመርትዖ ከተረጋግጾ ክኢላ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጠሮ ከቢድ ፍርሕን ራዕድን፣ ህዝቢ ርእይቶኡ ብናጻ ክገልጽ ከምዘይክእል ዝፍለጥ’ዩ።

ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ዘይብላ ሃገር ተባሂላ ኣብ ቅድሚ ካብ ዝስራዓ ሃገራት’ያ።

ወከልቲ ቢቢሲ፣ ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ሺንሁዋን ካልኦትን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ማዕከናት ዜና ወጻኢ ካብ ኤርትራ ክወጹ ካብ ዝተነግሮም እዋን፣ ወኪል ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ጸብጻብ ከተመሓላልፍ እዚ ድሕሪ 10 ዓመት’ዩ።

እዚ ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ዘዳለዎ ጸብጻብ ሎምን ጽባሕን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲ ዎርልድ ክቀርብ’ዩ።

By dhnethager

ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብለይቲ ካብ ገዝኦም ይጭወዩ ኣለዉ፡

ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብለይቲ ካብ ገዝኦም ይጭወዩ ኣለዉ፡

 

newlogo21final

 ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብለይቲ ካብ ገዝኦም ይጭወዩ ኣለዉ፡

ገባትን ዲክታቶርን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ፡ ዘውርዶ ዘሎ ርህራሄ ዘይብሉ ግፍዕታት ብዘይምቁራጽ  ሎምውን ይቅጽሎን፡ ሰባት ብለይቲ ካብ ገዝኦም ብሓይሊ ጨውዩ ብምውሳድ፡ የጥፍኦም ከምዘሎን ሃላዋቶም ከምዘይፍለጥን ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ብለይቲ ካብ ገዝኦም ተጨውዮም ዝውሰዱ ቁጽሮም ብልክዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ ብዙሓት ከምዝኾኑ ግና ይግመት ይብሉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ፡፡ ንኣብነት ናብ 14 መጋቢት 2015 ዘውገሐ ለይቲ ሰለስተ ሰባት ካብ ገዝኦም ተጨውዮም ከምዝተወስዱ፡ ዛጊት ከኣ ህልውንኦም ከመዘይፍለጥ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

ካብቶም ብለይቲ ካብ ገዝኦም ብመጋበርያታት ዕጡቓት ስርዓት ህግደፍ ተጨውዮም ዝጠፍኡ ዘለዉ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብዙሓትኳ እንተኾኑ ንግዚኡ ኣስማቶም ተፈሊጡ ዘሎ፡-

  1. ዑስማን ሓጅ ሱሌማን
  2. መሓመድ ኦና
  3. ወዲ ጀርጆ ከም ኣብነት ተፈሊጦም ተጠቒሶም ኣለዉ፡፡

ምንጭታትና ወሲኾም ከምዝሓበርዎ ስርዓት ህግደፍ ኣባይቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ናይ ምፍራስ ሸውሃቱ ሕጂውን ኣየብቀዐን ይፍክር ኣሎ፡፡ ሎሚ መዓልቲ 14 መጋቢት 2015 ልኡኻት እቲ ስርዓት ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ  እንዳዘሩ ከፍርስዎ ንዝደልዩ ኣባይቲ ምሉእ መዓልቲ ምልክት ክገብሩ ከምዝወዓሉ ምንጭታት ግሃድኤ – ሕድሪ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግሃድኤ – ሕድሪ

14 መጋቢት 2015

By dhnethager

Hello world!

This is your very first post. Click the Edit link to modify or delete it, or start a new post. If you like, use this post to tell readers why you started this blog and what you plan to do with it.

Happy blogging!

By dhnethager